SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Avsnitt

"ድኽመት ፈረንሳ መወዳእታ እዋናት ኣሰልጣኒ ደሻምፕ ዘመልክት'ዩ፣ ጸገም እንግሊዛውያን ድማ ንጹር መንነት ኣጸዋውታ ክህልዎም ዘይምኽኣሉ'ዩ፣" ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ

Dela

ክቡራት ሰማዕትና ከመይ ትኾኑ! ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ናብ ፍጻመ ገጹ ኣቕኒዑ ይርከብ። ሰሉስ ስፐይንን ፈረንሳን ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ስፐይን ብዘተኣማምን ክበሃል ዝከኣል 2-0 ተዓዊታ፡ ሽቶታታ ድማ ሚከል ኦያርዛባልን ፔድሮ ፖሮን ኣመዝጊቦመን። ሮቡዕ ኣርጀንቲናን እንግሊዝን ኣብ ዘካየደኦ እቲ ካልኣይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ እንግሊዝ ካልኣይ ክፋል ነዊሕ ከይከደ ብኣንቶኒ ጎርደን ኣቢላ ብዘመዝገበታ ሽቶ ክትመርሕ እንተወዓለት'ኳ ግጥም ክዛዘም 5 ደቒቕ ምስ ተረፎ ብኤንዞ ፈርናንደዝ፣ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ድማ ተቐይሩ ብዝኣተወ ሎውታሮ ማርቲነዝ ኣቢላ ኣርጀንቲና ተኣምራታዊ ዓወት ኣመዝጊባ። መሲ ሒዝካ እንታይ ከይሰኣን ከምዝበሃል ኣብ ክልቲኤን ሽቶታት ነቲ ዕድል ዝፈጠረ ወይ ዝሓገዘ 'ኣሲስት' ዝገበረ መሲ ኔሩ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ'ምበኣር ምስ ተንታኒ ስፖርት ነጋ ወልደጊዮርጊስ ኮይና ነዞም ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ምልስ ኢልና ክነዕልለሎም ኢና። ድሕሪ'ቶም ውጽኢታት ተፈጢሮም ዘለዉ ነቐፌታታትን ግብረመልስታትን'ውን ክንምልከት ኢና።

Podden och tillhörande omslagsbild på den här sidan tillhör SBS. Innehållet i podden är skapat av SBS och inte av, eller tillsammans med, Poddtoppen.