SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Avsnitt

ካብ ስደተኛ ናብ ላዕለዋይ ኪኢላ ስርዓተ-ማይ መንግስቲ ኲንስላንድ፥ ዕዉት ጉዕዞ ትምህርትን ስራሕን ኢ/ር ክብሮም ወልዳይ

Dela

ኢንጂኔር ክብሮም ወልዳይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስዛዘመ ካብ ኣስመራ ናብ ጂማ ብምኻድ ከባብያዊ ጥዕና ኣጽኒዑ። ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕን ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብ ሲቪል ኢንጂኔሪን ተመሪቑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ፓሲፊክ ንዓመታት ምስ ዩኒሴፍ ድሕሪ ምስራሕ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ብምሕደራ ማይ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ኣጽኒዑ። ኣብ ኣውስትራሊያ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሓት ተዋፊሩ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ላዕለዋይ ኪኢላ ምሕደራ ማይ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኢንጂኔር ክብሮም ዝሓለፎም ናይ ትምህርቲን ስራሕን ጉዕዞ ልሙጽ ኣይኮነን ግና ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊሩ ሎሚ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ስራሕ ይርከብ። ንኻልኦት ተመክሮ ክኸውን ዝኽእል ጉዕዞ ትምህርቱን ስርሑን ኣካፊሉና ኣሎ።

Podden och tillhörande omslagsbild på den här sidan tillhör SBS. Innehållet i podden är skapat av SBS och inte av, eller tillsammans med, Poddtoppen.